Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታት ዋርዲያ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ሓደ ጨንፈር ባንኪ እናት ዝተዋፈሪ ውልቀ ሰባት ብዝፈተጠረ ጎንፂ ህይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ጎንፂ ኣብ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ ሰለስተ ከባቢ ሞርኒግ ስታር ሞል ኣብ ዝርከብ ባንኪ እናት ጨንፈር ዶ/ር ጀንበር ተፈራ ብዋርዲያነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ዝተልዓለ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ረፋድ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ሞንጎ እቶም ሰራሕተኛታት ዋርዲያ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ፥ እቲ ሓደ ውልቀ ሰብ ብዝሓዞ ከላሽን-ኮቭ ጠበንጃ ናይቶም ክልተ መሳርሕቱ ህይወት ብምጥፋእ ናይ ባዕሉ ህይወት እውን ከጥፍእ ክኢሉ ኢዩ።

እቶም መወትቲ ዕድሚኦም ካብ 30 ክሳብ 35 ዝግመት እንትኸውን፥ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ጎንፂ ክሳብ ሕዚ ከምዘይተፈለጠን እናተፃረየ ከምዝርከብን እውን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.