Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዙርያ ኣብያተ ትምህርቲ ንወልፊ ዘቃልዑ ትካላት ንግዲ ይበራኸቱ ኣለዉ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዙርያ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝህውኹን ተምሃሮ ንወልፊ ክቃልዑ ዝገብሩን ትካላት ንግዲ ይበራኸቱ ምህላዎም ነበርቲ ገሊፆም።

ርእይቶኦም ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝበሉዎ፥ ተምሃሮ ዓማዊል ንኽኾኑ ዕላማ ዝገበሩ ትካላት ንግድ ኣብ ከባቢታት ኣብያተ ትምህርቲ ይበራኸቱ ኣለዉ።

ከምዚ ዝበሉ ትካላት ንግዲ፥ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመጠንን ብዓይነትን እናወሰኹ ምምፀኦም ኢዮም እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ዝገልፁ።

እዚ ድማ ኣብ ናይ ፅባሕ ወለዶ ተረከብቲ ዓዲ ልዑል ፅዕንቶ ዘሕድር ስለዝኾነ ቅልጡፍ መፍትሒ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ፀገም ምህላዉ ዝኣመነ ቢሮ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብግድኡ፥ ኣብ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽፈቱ ዘለዉ ትካላት ንግዲ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፋት እናፈጠሩ ከምዝመፀእኡ ገሊፁ።

እቶም ትካላት ንግዲ ዝተውሃቦም ፍቓድን ብተግባር ዝሰርሑዎም ዘለዉ ስራሕቲን ዝተፈላለየ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ቢሮ፥ እቲ ፀገም ተለዋዋጢን ዓይነቱ እናቐየረ ምምፅኡን ኣፍሊጡ።

ፍቓድ ናይ ምሃብ ሓልፍነት ዘለዎ ቢሮ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣዲስ ኣበባ፥ ፍቓድ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ፍቓድ ሓታቲ ኣብ ዝሰርሐሉ ቦታ ከይድካ ንምርኣይን ምፅራይን ዘኽእል ናይ ሕጊ ማዕቐፍ ከምዘይብሉ ገሊፁ።

ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንመፍታሕ ድማ ኣብ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽፈቱ ትካላት ንግዲ ካብ ኣብያተ ተትምህርቲ ብ200 ሜትሮ ክርሕቑ ዘገድድ ረቂቕ ሕጊ ከምዝተሰናድአ ኣፍሊጡ።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ናብ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኽፀድቕ ከምዘቕረቦ ኢዩ እቲ ቢሮ ዝገለፀ።

ካብቲ ዝወፅእ ሕጊ ብተወሳኺ፥ ወለዲ፣ መምህራን፣ ተምሃሮን ሕብረተሰብን ዝገብሩዎ ተሳትፎ ከጠናኽሩ ከምዝግባ እውን ኣተሓሳሲቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.