Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ምሃብ ታሴራ ነባርነት ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕንነት ህዝብን ብዝተፈላለዩ መገዲታት ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ፀጉረ ልውጣትብ ሸሊኾም ዝኣትዉን ንምክልኻል ዓሊሙ ምምሕዳር እታ ከተማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ወረዳታት ኣገልግሎት ምሃብ ታሴራ ነባርነት ከምዘቋረፀ ኣፈሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ህልውናን ሉእላውነትን ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ካብ ትማሊ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምእዋጁ ይዝከር።

ብመሰረት መምርሒ እቲ ኣዋጅ ናይ ነባርነት ታሴራ፣ መንጃ ፍቓድ፣ ናይ ስራሕ መታወቅያ፣ ፓስፖርት ወይ ምስእዚኦም ተመጣጣኒ ዝኾነ መታወቅያ እንተይሓዝካ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኢዩ።

ይኹን እንበር ነበርቲ እታ ከተማ ኮይኖም ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ታሴራ ዘይወሰዱ ነበርቲ ብፍሉይ ኩነታት ብዝምልከቶ ኣካል ተፃሪዩን ተረጋጊፁን ታሴራ ከምዝዳለወሎም ካብ ፕሬስ ሴክረተሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.