Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ንምድጋፍ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወለዶም ንዝሰኣኑን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡን 5 ሚሊየን ዜጋታት ንምድጋፍ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

“ወለንታዊነት ንህንፀት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝትግበር ፕሮጀከት ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስምምዕነት፥ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን፣ በዓል መዚ ትካል ስቪክ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ‘አሊያንስ ኬር ፎር ናው’ ዝተብሃለ መዳርግቲ ትካልን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኩለን ክልልት ተግባራዊ ዝግበር እንትኸውን፥ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ 5 ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገበር ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣገልግሎት ወለንታዊያን ብዙሕ መንእሰይ ተዋፊሩ ከምዘሎ ገሊፀን።

ብምኽኒያት ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ኣብ ምድጋፍ ብጥምረት ከምዝስራሕ ሓቢረን ከብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.