Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ብምትኳር ምስ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ አትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ምስ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ልዝብ ተኻየደዱ።

እቲ ዘተ ኣብ ቀፃሊ ከባቢታት ኢንቨስትመንት ዘላቒን ዘተኣማምንን ሰላም ንምርግጋፅ መንግስቲ ምስቶም ሰብ ሃፍቲ ኮይኑ መፅናዕቲታት ብምክያድ ሓደሽቲ ሜላታት ብምትእልላሽ ብዘላቕነት ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ሚኒስትር ዲኤታ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ወይዘሮ ፍሬዓለም ሺባባው፥ መንግስቲ ዝሐሸት ሃገር ንምህናፅ ንኢንቨስትመንት ወፃኢ ልዑል ትኹረት ሂቡ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝሰርሕ ገሊፀን፡፡

ፀገማት ሰላምን ፀፅታን መፍትሒ ብምትእልላሽ ሰብ ሃፍቲ ብዘይ ስግኣት ናብ ስራሕ ዝዋፈሩሉ ኩነታት ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ቀፃሊ ብዝኾነ መልክዑ ምስ መግ,ንግስቲ ብምዃን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀትታ ንምስራሕ ዘለዎም ድሌት ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.