Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ተፋሰስቲ ናይል ዘሎ ኢንቨስትመንት ንምንቕቓሕ ትኹረት ዝገበረ 6ይ ፎረም ልምዓት ተፋሰስ ናይል ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከባቢ ተፋሰስቲ ናይል ዘሎ ኢንቨስትመንት ንምንቕቓሕ ተሓሲቡ እናተሳለጠ ዝፀንሐ 6ይ ፎረም ልምዓት ተፋሰስ ናይል ተዛዚሙ።

እቲ ፎረም ዝርገሐ ኮቪድ ስዒቡ ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ እናተኻየደ ከምዝፀንሐ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መዕፀዊ መርሃ ግብሪ ፎረም ልምዓት መፋሰስቲ ናይል፥ ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ ኣብቲ መድረኽ፥ ኢትዮጵያ ዘሰናደአቶ 6ይ ፎረም ልምዓት ተፋሰስ ናይል፤ ሓለዋ ከባቢን ዶብ ሰገር ሃፍቲ ማይ ብሓባር ምጥቃምን ምልማዕን ሓዊሱ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ትኹረት ዝገበረ ዘተ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

መፋስስቲ ሃገራት ናይል ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ዘኽእል ልዝብ ከምዝተገበረ እውን እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

ብየሸዋ ማስረሻ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.