Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሃረር ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሃረር ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ኣብፂሑ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ከባቢ ሸዋ በር “ታይዋን” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ሰፈር ለይቲ ሰዓት 10 ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኦርዲን በድሪ፥ እቲ ከባቢ ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረን ንብዙሓት ነበርቲ ፍልፍል እቶት ኮይኑ ዝፀንሐን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ብሰንኪ እቲ ባርዕ ሓዊ ብዘጋጠመ ጉድኣት ሓዘን ከምዝተሰመዖም ኣብ ማሕበራዊ ሚድየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ኮሚሽን ፖሊስ ሃረሪ  ብግድኡ፥ መበገሲ ምኽኒያት እቲ ባርዕን ዘብፅሖ ሓደጋን የፃሪ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.