Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሮቢት ንፓርቲ ብልፅግናን ኣመራርሓ ለውጢን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ራያ ቆቦ ከተማ ሮቢት ንፓርቲ ብልፅግናን ኣመራርሓ ለውጢን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ድማ፤ ለውጢ ዘተዓናቕፍ ፖለቲካዊ ሽርሒ ንኹንን፣ ፈተናታት እናመከትና ዘላቕነት እቲ ለውጢ ክነረጋግፅ ኢና፣ ፅንፈኝነት ፀረ እሴት ሰላምን ሓድነትን ኢዩ፣ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጁንታ ምዕባለ፣ ሓድነት ህዝቢታት ክልምልም ኢዩ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉጅለ ጁንታ ንምምካን ዝሃቡዎ ኣመራርሓ ንንእድ፣ እቲ ጁንታ ንምፍራስ ዝተረኸበ ዓወት ውፅኢት ሓበራዊ ፃዕርና ኢዩ ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን ምስምዖም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ራያ ቆቦ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.