Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ መዓልቲ 750 ሰባት ናይ ምምርማር ተኽእሎ ዘለዎ ተወሳኺ ማእኸል መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ክኽፈት ኢዩ – ቢሮ ሓላዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ መዓልቲ 750 ሰባት ናይ ምምርማር ተኽእሎ ዘለዎ ተወሳኺ ማእኸል መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና (RT_PCR) ኣብዚ ሰሙን ንምኽፋት ይሰርሕ ከም ዘሎ ቢሮ ሓላዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ምስ ዩንቨርሲቲ መቐለ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ኣክሱምን ካልኦት ከባብታት ትግራይን ኣብ ዝኽፈቱ ማእኸላት መመርመሪ ተዋፊሮም ኣብ ምርመራ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝሳተፉ ሰብ ሙያታት  ስልጠና ከምዝህብ እውን፥ ዋና ዳይሬክተር ኢንስትቲት ምርምር ጥዐና ትግራይ ዶክተር ተወልደ ውብኣየሁ ገሊፆም።

እቲ ስልጠና ብተግባርን ክልስ ሓሳብ ዝተደገፈ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ተወልደ፥ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ስልጠነኦም ዛዚሞም ናብ ስራሕ ከም ዝኣትው ኣብሪሆም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ብግደኦም፥ ክሳብ ሐዚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መዓልቲ 372 ጥማዕ ደም (ናሙና) ናይ ምምርማር ዓቕሚ ዘለዎ ማእኸል ተኸፊቱ ግልጋሎት እናሃበ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝኽፈት ማእኸል መመርመሪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ግና ልዕሊ 750 ናሙና ናይ ምምርማር ዓቕሚ ከምዘለዎ ዕላ ገይሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.