Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩሎም ኣማራፂታት ትራንስፖርት ንመረፃ ካብ ንጉሆ ጀሚረን ኣገልግሎት ክህባ ኢየን – ቢሮ ትራንስፖርት

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩሎም ኣማራፂታት ትራንስፖርት ንመረፃ ካብ ንጉሆ ጀሚረን ኣገልግሎት ከምዝህባ ቢሮ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ይርጋለም ብርሃኔ፥ ኣብ ከይዲ ምድማፅ ኣብታ ከተማ ሕፅረት ትራንስፖርት ከይፍጠር ስራሕቲ ምድላው ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

ኣብቲ ዕለት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝከታተልን ዝመርሕን ካብቲ ዓውዲ ዝተውፃእፀአ ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸ እውን ገሊፆም።

ምስ ማሕበራት ኣሽከርከርቲ ታክሲ፣ ትካላት ኣቕረብቲ ትራንስፖርት ሓፋሽ ማለት እውን ኣንበሳ፣ ሸገርን ሃይገርን ባሳት፣ ማሕበር ሹፈራት ላዳ ብምዝታይ መምርሒ ስራሕ ከምዝተውሃበ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣማራፂታት ትራንስፖርት ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.