Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ታክሲታት ካብ ዘለወን ናይ ምስፋር ዓቕሚ ብፍርቂ ንኽንክያ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ግልጋሎት ወሃብቲ ታክሲታት ምቅርራብ ሰባት ንምንካይ ብዝብል ካብ ዘለወን ናይ ምስፋር ዓቕሚ ብፍርቂ ነክየን ንኸሳፍራ ተወሲኑ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ተሳፈርቲ ዕፅፊ ንኽኸፍሉ ከምዝተወሰነ፥ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣውቶብሳት ሸገርን ኣንበሳን ድማ ብዘይ ምንም ወሰኽ ዋጋ 30 ሰባት ጥራሕ ንኸሳፍራ ተወሲኑ ኣሎ።

እቲ ውሳነ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር እንትኸውን፥ ነዙይ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝወሃብ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.