Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲ ኣበባ ኮንፈረንስ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲ ኣበባ ኮንፈረንስ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና “ቃል ብተግባር ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሞገስ ባልቻ፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ቡዜና ኣልከድር ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም፡፡

ኣፈፃፅማ ፍርቂ ዘበን መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ዝግምገመሉን ናይ ቀፀልቲ ኣንፈታት ሓበራዊ ዝኾኑሉን ኮንፈረንስ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ፓርቲ ንብዝሃ ቋንቋ ብዝሃቦ ትኹረት ካብ ኣምሓርኛ ብተወሳኺ ኦሮምኛ፣ ትግርኛ፣ ሶማልኛን ዓፋርኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ፌደራል ንኽኾኑ ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ብሓሙሽቲኦም ቋንቋታት ፕሮግራሙ እናፋለጠ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተወከልቲ ኩለን ክልላት በቢቋንቋኦም መልእኽቶም ከምዘመሓላለፉ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን ከተማ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.