Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 3 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

እቲ ሓደጋ ለይቲ ሰዓት 7፡30 ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ዘመናዊ ዱኽዒ/ማዳበሪያ ብምፅዓን ካብ ኣዳማ ተበጊሳ ኣብቲ ከተማ እንትትበፅሕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኢዩ እቶም ሰባት ሞይቶም።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሰዶ፣ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ኢ/ር ኣለማየሁ ቶማ ከምዝበልዉ፥ ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ገናሒ መኪና ሓዊሱ ሓጋዚኡን/ረዳት ሓንቲ ተሳፋሪትን ህይወቶም ስኢኖም።

መበጊሲ እቲ ሓደጋ ኣብ ይፃረ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.