Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጅማ ሰልፊ ድጋፍ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ከተማ ጅማን ከባቢኣን ዝመፅኡ ነበርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ጅማ ሰልፊ ድጋፍ ኣሳሊጦም።

እቶም ተሳተፍቲ፥ “ሰባት ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእየኦም ክፅረፉ ኣይግባእን” ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ብሄር ብሄረሰብ ብሰላም፣ ፍቕሪን ምክብባርን ንዘበናት ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ “ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ብምስላፍ ሰላምና ክንሕሊን ምዕባለና ክነረጋግፅን ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ጅማ ኣይተ መኪዩ መሓመድ፥ ሕብረተሰብ ሰላሙ ንምሕላው ዓሊሙ ዝገበሮ ተሳትፎ ንኢዶም።

እቲ ዝተጀመረ ተሳትፎ ህዝቢ ተጠናኺሩ ንክቕፅል እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብተመሳሳሊ ነበርቲ ከተማ ኣጋሮን ከባቢኣን ዝተሳተፉሉ ሰልፊ ድጋፍ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣጋሮ ተካይዱ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ብሙክታር ጠሀ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.