Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእሉ ዕዉታት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም-ውድብ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእሉ ዕዉታት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ውድብ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 2010 ዓ.ም ስእነት ስራሕ፣ ናህሪ ዋጋ፣ ምጉታት ፕሮጀክት፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝነበሩሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተዓፈነሉ፣ ዋሕዋሕታ ስርዓት ዴሞክራሲ ጠፊኡ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ዲፕሎማሲ ዜግነት ዝተደፍአሉ፣ ፍቕሪ ሃገር ቀዳምነት ዘይወሃበሉ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተዛብዐ ርክብ ዝነበረላ፣ ሃገርን ህዝብን ዝጎድእ ኣካይዳ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ቁልቁለት ነይራ ኢሎም።

ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ኣብዛ ሃገር ዝነበሩ ብዙሓት ፀገማት ብምፍታሕ ንዜጋታት አትምቹን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ከይዲ ብዙሕ ፈተና እንተጋጠሙ እውን ናብ ዕድል ብምልዋጥ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ምህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕ እወን ህንፀት ትካላት ዴሞክራሲን ምምሕያሻት ማዕቐፍ ሕጊን ብምግባር ኩሉ ዝሳተፈሉ ስርዓት ዴሞክራሲ መሰረት ምንባር ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእሉ ዕዉታት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.