Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 27 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 27 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

እቲ መጥቃዕቲ፥ ኣብ ዝኽሪ በዓል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ1995 ብጣሊባን ዝተቐተለ መራሒ ዓሌት ሃዝራ ዓብዱል ዓሊ ማዛሪ ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።

በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ሰባት ብተወሳኺ ብዙሓት ሰባት ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ።

ኣብ ዝኽሪ እቲ በዓል ላዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ኣፍጋኒስታን  ዓብዱላሂ ኣብዱ ዝተረኸቡ ዋላ እንተኾኑ ጉድኣት እንተይበፅሖም ከምዘምለጡ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ወታደራታ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውፃእ ኣብ ስምምዕነት ድሕሪ ምብፃሓ ዝተፈፀመ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ጉጅለ ዕጡቕ ጣሊባን ኣብቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኢዱ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፊ ጋኒ ብግደኦም፥ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን ብሄራዊ ሓድነት ኣፍጋኒስታናውያንን ዝተፈፀመ ገበን ክብሉ ገሊፆምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኸበረ ዝኽሪ በዓል ዓብዱል ዓሊ ማዛሪ፥ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሓበሬታታት ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ ሮይተርስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.