Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ማዕልቲ 100 ሺሕ ፈልሲ ጉድጓድ ተቲዒቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ ንመርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ማዕልቲ 100 ሺሕ ፈልሲ ጉድጓድ ምዝተኹዓተ ተገሊፁ፡፡

ኣብ 2014 ዓ.ም ኣብቲ ክልል 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ከምዝተታሐዘ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ወይዘሮ ሚስራ ዓብደላ ተዛሪበን፡፡

ካብቶም 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ፈልሲታት እቲ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝኾኑ ንምግብነት ዝውዕሉ ከምዝኾኑ ኣፍሊጠን፡፡

ብመሰረት እዚ ፍርያትን መፍረያይነት ኣታኽልቲ ከምዘዕቢ ብምሕባር መላእ ነባሪ እቲ ክልል ምድላዋት ምኹዓት ፈልሲ ጉድጓድ ንኽጅምር ተላብየን፡፡

ኣብ ሎም ዘበን ሓምላዋይ ኣሰር ንምትካል ብትልሚ ካብ ዝተትሓዘ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ፈልሲ÷ እቶም ልዕሊ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 4 ናቑጣታት ፈልሲ ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.