Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ን3 ሚሊየን 165 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ተኸፋፊሉ – ኣይተ ሙሉ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ን3 ሚሊየን 165 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ሙሉ ካሳ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቀውሲ ንብዙሓት ወገናት ሓገዝ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ፀገም ከቢድ ይኹን እምበር ኣብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት እውን ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ብምግባርን ጥንኩር ስራሕ ብምስርሑን ሓገዝ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ንዜጋታት ምግቢ ተንከፍ ቀረባት ምቕራብ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጦም።

ጎድና ጎድኒ እቲ ሓገዝ 10 ዝኾኑ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ሰብኣዊ ፀገም ንምፍታሕ ልዑል ዝኾነ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝርከቡ ኣይተ ምትኩ ኣገንዚቦም።

እቲ ሓገዝ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መውሃቢ ምላሽ ህፁፅ እዋንተወከልቲ ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ፌዴራል፣ ሴክተር ቢሮታት ክልላት፣ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝን ዝሓቖፈ ስለዝኾነ፥ እቲ ፀገም ሰፊሕ ምላሽ ንኽወሃብ ኣኽሉ ኢዩ ምባሎም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.