Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ባንኪታት ሒሳብ ዝኸፈቱ ካብ ትግራይ ወፃእ ዘለዉ ዓማዊል ኣብ ዘለውሉ ከባቢ ሒሳቦም ንኸንቀሳቕሱ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ባንኪታት ሒሳብ ዝኸፈቱ ካብ ትግራይ ወፃእ ዘለዉ ዓማዊል ኣብ ዘለውሉ ከባቢ ሒሳቦም ንኸንቀሳቕሱ ከምዝተፈቐደ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ብገበን ተጠርጢሮም ሒሳቦም ንኸይንቀሳቐስ ካብ ዝተኣዘዘ ዓማዊል ወፃእ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ባንኪታት ሒሳብ ዝኸፈቱን ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ ዘለዉ ዓማዊል ኣብ ዘለዉሉ ከባቢ ሒሳቦም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንኸንቀሳቕሱ ከምዝተፈቐደ ኢዩ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ይፍፀም ምስ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ብዝተተሓሓዘ ኩነታት ፀፅታ ንባንኪታት ምቹው ኣብ ዝኾነለን ከተማታት ባንኪታት ተኸፊተን ስራሕ ንክጅምራ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኩነታት ፀፅታ ምቹው ኣብ ዘይኮነለን ከተማታት ድማ እተን ባንኪታት ተዓፅየን ከምዝፀንሓ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.