Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ንምኽባር ዘኽእል ምድላዋት ከምዝተገበረ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ንምኽባር ዘኽእል ምድላዋት ከምዝተገበረ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ክፍሊ ዋና ሚዲያ እቲ ኮሚሽን ም/ኮማንደር መሳፍንት እሸቴ፥ እቶም በዓላት ብሰላም ንክኽበሩ ክሳብ ታሕተዋይ መሓውር ዝወረደ ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ምስ ዘሎ ኮማንድ ፖስት ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቶም በዓላት ንምኽባር ካብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝመፅኡ ኣጋይሽ ናብቲ ክልል ከምዝጓዓዙ ብምግላፅ፥ እቶም ኣጋይሽ ሰለማዊ ፃንሒት ንክህልዎም ዘኽእል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.