Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 250 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ከምዝተሓሰበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ 6 ሓምለ ኣብ ዘካይዶ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 250 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ከምዝሓሰበ ገሊፁ።

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ነበር ፕሬዚዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ፣ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሃይለማርያም ከፍያለውን ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራል፣ ክልል ከተማ ጎደርን ኣብ ዝተረኸቡሉ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ኣብታከተማ ተጀሚሩ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣብቲ ክልል ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ከምዝተሰናደአ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝቕፅል 6 ሓምለ 2014 ዓ.ም ድማ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 250 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ከምዝተሓሰበ ገሊፁ።

ብይስማው ኣደራው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.