Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጨፍጫፍ ንዝፈፀመ ጉጅለ ራዕዲ ዝተዋደደ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጨፍጫፍ ዝፈፀመ ጉጅለ ራዕዲ ዝተዋደደ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ መንግስቲ ሰላመን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ንህዝቢ ዘሳተፈ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ብምውሳድ ልዑል ውፅኢት የምፅእ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልል እውን ተዛሪቦም።

ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ጉጅለታት በቢከባቢኡ ፀገም ይፈጥሩ ኣለዉ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ወለጋ ዝተገበረ ጨፍጫፍ ሓደ መርኣዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብን ክልል ጋምቤላ ዝነበረ ሽርሒ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ብምፍሻል ሙሉእ ንሙሉእ ሰላም ምርግጋፅ ምኽኣሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ምኽባር ሕጊ ውፅኢት የመዝግቡ ከምዘለዉ እወን ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.