Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ልዑል ኣፈፃፅማ ንዘመዝገቡ ኣካላት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ልዑል ኣፈፃፅማ ንዘመዝገቡ ፈፀምትን ትካላትን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው፣ ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ወይዘሮ ፋጤ ስርሞሎን ላዕለዎት ሃለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ተረኺቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ርስቱ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ኣብ ለውጢ መንግስታት ዘይናወፅ ግደ ሃልዩዎ ሃገር ዘቐፅል፣ ህዝቢ ዘገልግል፣ ዘላቕነትን ምትእምማንን ሓንቲ ሃገር ዝውሰነሎም ትካላት እዮም ኢሎም፡፡

ኣብ ዝሃለፉ ዓማውቲ ሃገር ኣብ ብዙሕ ፈተና ኮይና ኣብቲ ክልል ዝበረታታዕ ዝራሕ ምስራሕ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም፡፡

ኣገልጋሊ ብሓደ ወገን ሃገር ካብ ፀላኢ እናተኸላኸለ ናይ ደጀንነት እጃሙ እናተዋፅአ ብኻሊእ መዳይ ድማ ሓደራ ህዝቢ ብብቕዓት ምፍፃም ምኽኣሉ እዩ ኢሎም፡

ኣብቲ ክልል ኣብ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ህዝቢ ኣብ ምግልጋል ዝተረኸቡ ለውጥታት ኣብ ካልኦት መዳያት ዝተርኣየ ኣፈፃፅማ ውፅኢት ፃዕሪ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት እዩ ኢሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.