Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 250 ሚሊየን ብር ድጋፍ ንምግባር ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣  27 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 250 ሚሊየን ብር ድጋፍ ንምግባር ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ።

ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ሰናይት ሰለሞን፥ እቲ ክልል ሓድነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ግንባር ካብ ምውፋር ጀሚሩ ሓላፍነቱ ይዋፃእ ከምዘሎ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ሓቢረን።

ህዝቢ እቲ ክልል እውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምዃኑ ብሰለማዊ ሰልፊ ኣርእዩ ኢዩ ኢለን።

ተወሰኽቲ 5 ሺሕን 534 መናእሰይ ብፍቓደኝነት ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምሕዋስ ምውሳኖም ተዛሪበን።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 37 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብን ናውቲን ደገፍ ከምዝተገበረ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፥ ካልኣይ ዙር ሓገዝ ኣብ ዝቕፅል ዕለተ ሓሙስ ንመከላከያ ክርከብ ኢዩ ኢለን።

ብጥላሁን ይልማ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.