Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብጉጅለ ህወሓት ተተሊሙ ዝነበረ ሽርሒ ጥፍኣት ከምዝፈሸለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ብጁንታ ጉጅለ ህወሓት ተተሊሙ ዝነበረ ሽርሒ ጥፍኣት  ብሓይሊታት ፀፅታን ተሳትፎ ህዝቢን ከምዝፈሸለ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞዱ ኡጁሉ ኣፍሊጦም።

እቲ ጁንታ ኣብቲ ክልል ዘርጊሑዎ ዝነበረ መርበብ ጥፍኣት ሙሉእ ብሙሉእ ንምቑራፅ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበሉዎ፥ በቲ ጁንታ ተተሊሙ ዝነበረ ሽርሒ ጥፍኣት ቀዲሙ ሓበሬታ ስለዝተረኸበ ብሓይሊታት ፀፅታ ኣድላይ መፅናዕቲ ተኻይዱ እቲ ሽርሒ ክፍሽል ክኢሉ ኢዩ።

ኣይተ ኡሞድ “ፀገም ክፈጥሩ ዝነበሩ መብዛሕተኦም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ተገይሮም” ኢሎም።

ዋህዮ ጁንታ ህወሓት ኣብታ ክልል ብበዝሒ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ኡሞድ፥ ክልል ጋምቤላ ዒላማ መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ክትከውን ኢያ ዝብል ስግኣት ስለዝነበረ ስራሕቲ ምክልኻል ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

እቲ ከባቢ ቐጠና ኛዕቢ ንምግባር ተሓሲቡ ዝነበረ ሽርሒ ጥፍኣት ብተሳትፎ ህዝቢን ዝተዋደደ ፃዕሪ ሓይሊታት ፀፅታን ክፍሽል ከምዝኸኣለ ኣፍሊጦም።

ዋህዮታት እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ፤ ዝተረፉ ስለዘለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ንመሓዝ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውንእቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

ክልል ጋምቤላ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘዋስኑ ሸሞንተ መውፅን መእተዊን በሪታት ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣይተ ኡሞድ፥ ኣባላት እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ናብ ደቡብ ሱዳን ንምህዳም እናፈተኑ ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም።

ዶብ ኣቋረፆም ንምውፃእ ዝፈተኑ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝተትሓዙን መገዲ ብምምራሕ ኣባላት እቲ ጉጅለ ንምኸምልጡ ዝፈተኑ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝተገበረን ኣብሪሆም።

ኣብቲ ክልል ምስ ጉጅለ ህወሓትን ኦነግ ሰኔን ርክብ አለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 65 ውልቀ ሰባት ብኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.