Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ናውቲ መረፃ ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሰነ፣ 2013 ፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ናውቲ መረፃ ይከፋፈል ኣሎ።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መረፃ ልዕሊ 135 ሺሕ መረፅቲ ድምፆም ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ክልላት መረፃ 121 ጣቢያታት መረፃ ንመረፃ ኣድለይቲ ዝኾኑ ናውቲ እናተኸፋፈሉ ከምዝርከቡ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝገበሮ ትዕዝብቲ ከረጋግፅ ክኢሉ።

ተወሰኽቲ ዝርገሐ ናውቲ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ጎድና ጎድኒ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 300 ሺሕ ፈልሲታት ከምዝትከሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ንመትከሊ ፈልሲታት ዝኸውን ቦታ ከምዝተዳለወ እውን ተሓቢሩ።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.