Fana: At a Speed of Life!

“ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ውፃእ-ውረድ ኮይንና ዓብዪ ውፅኢት ክነመዝግብ ክኢልና ኢና” – ኣፈ ጉባዔ ታገሰ ጫፎ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ውፃእ-ውረድ ኮይንና ዓብዪ ውፅኢት ክነመዝግብ ክኢልና ኢና” ብምባል ኣፈ ጉባዔ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ብርኪ ኣፈፃፅማ እቲ ባይቶ ኣመልኪቶም።

ኮሚቴታት ኣማኸርቲን ኣተሓባበርቲን እቲ ባይቶ ከምኡ እውን ዋናን ሓገዝቲን ተፀዋዕቲ ኒስትር ዲኤታታት ኣብ ዝተረኸቡሉ፣ ናይ 11 ቀወምቲ ኮሚቴታት ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 ሪፖርት ገምጊሙ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ መንግስቲ ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ብምስታፍ እቲ በይቶ ንህንፀት ሃገር ዓብዪ ኣስተዋፅ ኣበርኪቱ ኢዩ፡፡

ከም ሃገርን ከም ትካልን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝበረታትዑ ከምዝኾኑን ብቀወምቲ ኮሚቴታት ዝቐረቡ ተወሰኽቲ ሓሳባት ዘምህሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

“ስለዝኾነ እውን ጠጠው ኢልና ብምሕሳብ ሃገርና ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ናይ ኩልና ቅኑዕ ምትሕብባር የድሊ” ኢሎም፡፡

ምክትል ኣፈ ጉባኤ ወይዘሮ ሎሚ ነዶ ብግደአን፥ ፅቡቕ ዝሰርሑ ትካላት ዝበረታትዑሉ፣ ዘይሰርሑ ድማ ዝሕተቱሉ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይ ተስፋዬ በልጅጌ እውን ኣብቲ ባይቶ ምምሕያሻት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ባላት እቲ ባይቶ ብመንፅር ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን ነቲ ቤት ምኽሪ ብዝምጥን ደረጃ ከሳልጡ ከምዝግበአም ኣገንዚቦም፡፡

ኣመራርሓታትን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴታት ብህዝቢ ዝለዓሉ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር፣ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ግልፅነትን ተሓታትነትን ንኸረጋግፁ ምስራሕ ከምዝግበኦም ምሕባሮም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.