Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውድድር ድምፃውያን ፋና ላምሮት ዮናታን ዳመነ ቀዳማይ ብምውፃእ ብር 200 ሺሕ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻድሻይ ምዕራፍ ውድድር ፋና ላምሮት ሎሚ መዓልቲ እንትካየድ፥ ንተዓወትቲ ብር 500 ሺሕ ተዋሂቡ።

ልዕሊ 2 ሺሕ መናእሰይ ኣብ መፃረዪ ውድድር ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ነቲ መፃረዪ መድረኽ ብፀብለልትነት ዝሓለፉ 12 ድምፃውያን በቢሰሙኑ ብቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ምስ ሙሉእ ባንድ ሙዚቃ ብመዃን ብዳያኑን ብባዕልቶምን ዝተሓረዩ ደርፊታት ብምቕራብ ተወዳዲሮም።

ብመሰረት SMS ድምፅን ተመልከትቲ ዳያኑ ሰብ ሞያ ሙዚቃን ትሑት ነጥቢ ዝረኸበ ሓደ ተወዳዳሪ በቢሰሙኑ እናተሰናበተ 4 ድምፃውያን ንፍፃመ በፂሖም ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ መድረኽ ውድድር፥ ሕድ ሕድ ተወዳደርቲ ሰሰለስተ ደርፍታት ኣቕሪቦም ኢዮም።

ስለዝኾነ  – ዮናታን ዳመነ ቀዳማይ

– ሙሉ ጌታ ለማ ካልኣይ

– ተመስገን በቀለ ሳልሳይ ከምኡ ውን  ዘላለም እሸቱ ራብዓይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

ሸልማት ሕድሕድ ተዓወትት ድማ፥ ብር 200 ሺሕ፣ 150 ሺሕ፣ 100 ሺሕ፣ 50 ሺሕ ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ንዝወፅኡ ተሸሊሞም።

ህቡብ ሙዚቀኛ ሮሃ ባንድ ጆቫኒ ሪኮ ኣብቲ መድረኽ ብኽብሪ ዕዱም ጋሻ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ንተዓወትቲ ሸልማት ኣበርኪቱ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ ኣርባዕቲኦም ተወዳደርቲ ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ ዝካየድን  1 ሚሊዮን ብርን ዋንጫን ዘውህብ ውድድር ናይ ተዓወትቲ ተዓዋቲ ብቐጥታ ከምዝሓለፉ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽልቲ ተዛሪቦም።

ድሕሪ ከልተ ሰሙን መበል ሻውዓይ ምዕራፍ ከምዝጅምር እውን ሓቢሮም።

ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ተውህቦን ልምዲን ዘለዎም ደምፃውያን 14 ክሳብ 16 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፋና ብኣካል በምርካብ ወይ ኣብቶም ዝተረቑሑ መዓልታት ብ8333 ብምድዋል ንክምዝገቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.