Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ዝተገበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጉዕዞታት ዕዉታት ነይሮም – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ዝተገበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጉዕዞታት ዕዉታት ከምዝነበሩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ማለት እውን ኣብ ኮትዲቯር፣ ኣንጎላን ጋቦንን ዑደት ስራሕ ምግባረን ኣዘኻኺሮም፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዑደተን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሰፊሕ መብርሂ ምሃበን ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ንኢትዮጵያ ሓገዝ ከምዝገብራ ኣረጋጊፆም ኢዮም ኢሎም፡፡

ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት እውን እቲ ባንኪ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ምርግጋፁ ተዛሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበሩዎ ዑደት ምስ ፕሬዚዳንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ፃንሒት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚሕዚ እዋን ዘለወን ርክብ ክብ ንምባል ዘኽእል ልዝብ ምግባሮም ሓቢሮም፡፡

ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምይይጥ ምግባሩ እውን ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኣፍሪካ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ከምዝግባእ መብርሂ ከምዝሃቡ ተዛሪቦም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ዳያስፖራ ናብ ሃገር ንኽመፅእ ዝተበረ ጻውዒት ሓድነት ንምጥንኻር፣ ፅንቶ ሓይሊታት ወፃ ንምፅዋርን ስራሕቲ መሊስካ ምጥያሽ ንምሕጋዝን ዝዓለመ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

ነዚ ኣድላዪ ምድላው እናተዛዘመ ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ኣቐባሊ ቃል ዝገለፁ፡፡

ብሜሮን ሙሉጌታ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.