Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ወደባት ባሕሪ ብምጥቃም ልዕሊ 518 ሚሊየን ብር ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 2015 ዓ.ም ወደባት ባሕሪ ብምጥቃም ልዕሊ 518 ሚሊየን ብር ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ዕዮ ኣብ ዘቕረቦ ኣፈፃፅማ መደባት ሽዱሽተ ኣዋርሕ፥ ኣብ ኣዋፃኣይነት ኢኮኖሚ ብምድራኽ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ወደባት ጅቡቲ፣ ታጁራ፣ በርበራን ሞያሌ/ሞምባሳን ትጥቀም ከምዘላ ሓቢሩ።

እቶም ወደባት ብመሰረት ዘተኣናገድዎ  ብፅሒት ፅዕነት፥ ጅቡቲ 94 ነጥቢ 35 ሚኢታዊ፣ ታጁራ 1 ነጥቢ 56 ሚኢታዊ ፣ በርበራ 3 ነጥቢ 33 ሚኢታዊ፣ ሞያሌ/ሞምባሳ 0 ነጥቢ 76 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዘርእይ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ።

151 ሺሕን 551 ቶን ፅዕነት ብወደብ ታጁራ ኣቢሉ ናብ ወደብ ጂቡቲ ዝወፅእ ዝነበረ 36 ሚሊየን 568 ሺሕን 211 ብር ወፃኢ ሎጂስቴክስ ምድሓን ከመዝተኽኣለ ድማ ተሓቢሩ።

ብሓፈሻ በዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ወደባት ባሕሪ ብምጥቃም ልዕሊ 518 ሚሊየን ብር ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.