Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ልዕሊ 258 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ – ሚኒስቴር እቶት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ብሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ልዕሊ 258 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ኣፍሊጠን።

ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሸውዓተ ኣዋርሕን ኣብ ዝተረፉ ኣዋርሕ ብትኹረት ክስርሑ ብዛዕባ ዝግበኦምን ጉዳያት ኣድሂቡ እናሳለጦም ዝፀንሐ ዘተ ዛዘሊሙ።

እቲ መዛዘመ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈተኦ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ÷ ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ዝተውሃቦም ልኡኽቶ ብግቡእ እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡

ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ምግላፀን ካብቲ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢኮኖሚ ዘፈልፍሎ ኣታዊ ብብቕዓት ብምእካብን ወፃኢ ልምዓት መንግስቲን ፋይናንስ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑን እውን እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን፡፡

ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ካብ ታክሲ ውሽጢ ሃገር 266 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብርን ካብ ቀረፅን ታክሲን ንግዲ ወፃኢ 183 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ብድምር 450 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ንምካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እውን 262 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ 258 ነጥ 93 ቢሊየን ብር ዝተኣከበ እንትኸውን÷ 98 ነጥቢ 79 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ተዓዊቱ፡፡

ብታምሩ ከፈለኝ

#Ethiopia

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.