Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ደቡብ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ዝኹንኑ ሰልፍታት ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዞባታት ጉራጌ፣ ስልጤ፣ ከምባታን ጠምባሮን ኢዮም ”ሰላም ይዕሰል፤ ኣብ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝፍፀም ጥቕዓት ደው ይበል” ብዝብል መሪሕ ቃል ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኹንኑ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፍታት ተኻይዶም፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ነዚ ተግባር እዚ ዝኹንን ኢደ ኣታውነት ወፃኢ ደው ንኽብል ዝሓትትን ብብርኪ ዞባ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ኩለን ወረዳታት ዞባ ስልጤን ምምሕዳር ከተማን ዝርከባ ደቂ ኣነስትዮ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ዘለዋ ኢደ ኣታውነትን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን ዝፍፅሞ በደልን ግፍዕን ዝኹንን ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ጭርሖታት ብምሓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሰልፍታት ተኻይዶም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ‘‘ሃገርና ዘጋጠማ ፀገም ናይ ህልውና ኲናት ንቅላስ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢና፣ ንሰራዊት ምክልኻል ስንቂ ካብ ምድላው ሓሊፉ ደቅና ናብ ግንባር ብምልኣኽ ንሃገርና ደጀን ክንኮን ኢና፣ ኢደ ኣታውነት ደው ይበል፣ መራሒኣ ንዝወፈረላ ሃገር ኣነ እውን ኣለኹላ’’ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ሒዘን ሰለፈን ምክያደን ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽንን ፓርቲ ብልፅግናን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.