Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተገበረ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተገበረ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ትማሊ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፥ ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ሄለን በቀለን ኣትሌት በየኑ ደገፋን ቀዳመይቲን ካልአይቲን ብምውፃእ ተዓዊተን።

ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ  ኣትሌት ኃይለማርያም ኪሮስ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ኣብ  ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ጓድላሃራ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ያሲን ሀጂ እንትዕወት ብደቂ ኣኒስቲዮ እውን ኣትሌት ሕይወት ገብረኪዳን ነቲ ውድድር ቀዳመይቲ ብምዃን ዛዚማቶ።

ቀዳም ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ኣትላንታ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ፀጋዬ ኪዳኑ ቀዳማይ ኮይበኑ ተዓዊቱ።

ብደቂ ኣኒስቲዮ ድማ ኣትሌት ሰላም ፈጠነ ሳልሰይቲ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.