Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ፍሉያት ወረዳታትን ክልል ደቡብ ህዝበ ውሳነ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ፍሉያት ወረዳታትን ክልል ደቡብ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ህዝበ ውሳነ ኣብ ትሕቲ ብ/ብ/ህ/ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ዝርከባ ሽዱሽተ ዞባታት (ኮንሶ፣ ደቡብ ኦሞ፣ ወላይታ፣ ጋሞ ፣ ጌዴኦ፣ ጎፋ)ን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታት (ቡርጂ፣ ባስኬቶ፣ ኣሌ፣ ኣማሮ፣ ዲራሼ) ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብ ደቡብ ኦሞ ኣብ ዝርከባ 428 ጣቢያታት መረፃ ከይዲ መሃብ ድምፂ ህዝበ ውሳነ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣብ ትሕቲ ክልል መረፃ ጂንካ ዝርከባ 24 ጣያታ መረፃ እውን መረፅቲ እናድመፁ ከምዝኾኑ ተሓሩ፡፡

ኣብ ክልል ደቡብ ብመዓርግ ርእሰ ምክትል ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ሰናይ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኣይተ ኣለማየሁ ባውዲ÷ ኣብ ክልል መረፃ ጂንካ ንኡስ ጣያ መረፃ ኣርክሻ ጸረሒቦም ድምፂ ሂቦም።

ኣይተ ኣለማየሁ ባውዲ÷ ህዝቢታት ብሓር ክልል ንምጥያሽ ብዘልዐሉዎ ሕቶ መሰረት ብምግባር መንግስቲ መፅናሐዕቲ ኣካይዱ ዝፀንሐ መሰረታዊ ምትእስሳር ህዝቢታት እንተይተሸርሸረ ሓሮም ዝውደቡሉ ኩነታት ንኽፍጠር ህዝበ ውሳነ ንኽካየድ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ክብ ኢሉ ኩሎም ዜጋታት ምይይጥ ኣብ ምምኽኻርን ምርድዳእን ብምብፃሕ ህዝቢታት ብቐጥታ ዝሳተፉሉ ህዝበ ውሳነ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኣብ ምፍቕቓድ ህዝቢታት ተመስሪቱ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 ጀሚሩ ብታራ ድምፂ ይወሃብ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ኣለማየሁ÷ ሓይሊታት ፀፅታ ሰላማዊ መረፃ ንኽካየድ ብዕቱብ እናተኸታተሉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብመለሰ ታደለ፣ ኢብራሂም ባዲን ማቱሳላ ማቲዎስን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.