Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ምስ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ዝሰርሑ ኣካላት ፀፅታ ካብ ተግባሮም ንኽቑጠቡ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ዝተውሃቦም ናይ ሕዝቢ ሓደራ ገዲፎም ምስ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ዝሰርሑን ብክልተ ካራ ዝበልዑ ኣካላት ፀፅታ ካብ ተግባሮም ንኽቑጠቡ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ።

ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተጣየሸ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኣብቲ ክልል ዞባ መተከል ንዝሰርሑ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ሓይሊታት ፀፅታ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተጣየሸ ግብረ-ሓይሊ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ካፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ኣብቲ ዞባ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ሓደ ሓደ ኣባላት ሓይሊታት ፀፅት ኢዶም ከምዘለዎ ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ዞባ ዝሰርሑ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ሓይሊ ፀፅታ ንኽግምገሙን ስልጠና ክወስዱን ይግበር ኣሎ።

ምክትል ኣዛዚ እዚ ምዕራብን ኣባል እቲ ግብረ ሓይሊን ብርጋዴር ጄነራል ኣለማየሁ ወልዴ ከምዝበሉዎ፥ ሓይሊታት ፀፅታ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረ ሰባት ብማዕርነት ብተኣማንነትን ከገልግሉ ይግባእ።

ካብዚ ብተፃራሪ ዝግበሩ ዝኾኑ ይኹኑ ዓይነታት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ከምዝግበኦ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣገልገልቲ ህዝቢ መሲሎም ምንቅስቓስ እቲ ሽፍታ እናሓገዙ ብኽልተ ካራ ንምብላዕ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት እቲ ውዳበ ፀፅታ ኣካይደኦምከስተኻኽሉ ይግበኦም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.