Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮ በቢብረኩ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ ምድላዋት እናተዛዘሙ ይርከቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮ በቢብረኩ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ ምድላዋት እናተዛዘሙ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

ኩለን ዩኒቨርሲታት ኣብ ቀረባ እዋን በቢታራ ተምሃሮአን ከምዝቕበላ ዝሓበረ እቲ ሚኒስቴር፥ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተምሃሮ ነናብ ዝተመደቡሉ ዩኒቨርቲ ንምኻድ ምድላው ክገብሩ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ 44 ዩኒቨርሲቲታት ብዝተገበረ ገምጋም መብዛሕትአን ኮሮና ብምክልኻል ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምትግባር ኣብ ዝኽእላሉ ብርኪ ከምዝርከባ እውን ኣብሪሁ።

ዝተረፋ ዩኒቨርሲቲታት ድማ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ምድላወን ንኽዛዝማ ኣንፈት ከምዝተውሃበን ተሓቢሩ።

ፕሮቶኮል ጥዕናን ኩነታት ሰላምን ዝሕሉ መምርሒ ምድላዉ እውን ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲታት ፍልጠትን ክእለትን ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ኣብ ህንፀት ስብእና ንኸድህባ ኣብ ስርዕተ ትምህርቲ ክካተት ኢዩ ተባሂሉ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.