Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደምቢደሎ ተልእኾ ምኽባር ሕጊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ከተማ ደምቢደሎ ተልእኾ ምኽባር ሕጊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድገፍ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ ሰልፊ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዝ ሰሜን ንዝፈፀሞ ክሕደት ዘውግዝ ኢዩ።

ባህሪ እቲ ጉጅለ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ብምዃኑ ሃገራዊ ክሕደት ብምፍፃም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሕቑኡ ወጊኡዎ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ሃገር ንምፍራስ ዝፈፀሞ ጥፍኣት ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ክነቃልዖ ኢና ክብሉ እውን ገሊፆም።

እቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ልኡላውነት ሃገርን ልዕልነት ሕጊን ንምኽባር ዘካይዶ ወፍሪ ንድግፍ ኢና እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.