Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጅቡቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጂቡቲብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ዝተረኸበላ ካሊእ ምብራቕ ኣፍካዊት ሃገር ኮይና ተመዝጊባ።

እቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ውልቀ ሰብ ቅድሚ ኣርባዕተ ማዓልቲ ናብ ጅቡቲ ዝኣተወ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ስፔን እንትኸውን፥ ትማሊ ብዝተገበረሉ ምርመራ ድማ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኢዩ።

እቲ ስፔናዊ ውለቀሰብ ምስ ዜጋታት ጅቡቲ ከምዘይተራኸበ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ኮይኑ ክትትል ሕክምና እናተገበረሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ ጅቡቲ ብተወሳኺ ኣብ ሃገረ ዛንዚባር እውን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ፈላማይ ሰብ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ኣብ ኬንያን ታንዛኒን ድማ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዝወሰኸ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 31 ሃገራት ኣፍሪካ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸበለን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.