Fana: At a Speed of Life!

ተሳተፍቲ በዓል ጥምቀት እቲ በዓል እንተኽብሩ ርሕቐቶም ብምሕላው ካብ ምንኽኻእ ብምቑጣብ ክኸውን ከምዝግባእ መተሓሳሰቡ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተሳተፍቲ በዓል ከተራን ጥምቀት እቲ በዓል እንተኽብሩ ርሕቐቶም ብምሕላው፣ ካብ ምንኽኻእ ብምቑጣብ፣ ብተደጋጋሚ ኢዶም ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምጥቃምን ክኸውን ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሚኒስቴር ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና በዓል ጥምቀትን ከተራን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መልእኽቱ፥ ከተራን ጥምቀትን ብምእመናን ብበዝሒ ዝዕጀብን ኣካላዊ ምንኽኻእ ዘለዎን ስለዝኾነ፤ ሰባት ስምዒቶም እንትገልፁ ብጥንቃቐ ክኸውን ከምዝግባእ ኢዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።

እቲ ኩነታት ንምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ምቹው ኩነታት ክፈጥር ስለዝኽእል እቲ በዓል ንምኽባር ዝተኣኻኸቡ ሰባት ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ትፅቢት ከምዝግበረሎም እቲ ሚኒሰስቴር ኣገንዚቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.