Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዘተኮረ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013(ኤፍቢሲ)ኣብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዘተኮረ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

የኢትዮጵያ እና የሱዳን ድንበር ጉዳይን በሚመለከት ከጥር 19 እስከ 21 ቀን 2013 በአዲስ አበባ ዓውደ-ጥናት ተካሂዷል።

እቲ ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ዝተኻየደ ዓውደ መፅናዕቲ ብዋንኡ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እናተኻየደ ዝፀንሐ ዳግም ምጥራር ዶብ፥ ኣብ ነባራት ክልተኣዊ መድረኻት ብሰላማዊን ዘላቒ ብዝኾነ መልክዑን ምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብምድሃብ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ጉዳይ ዶብ ኣመልኪቶም ዝተጣየሹ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያታት ሕጊን ጉጅለ ሰብ ሞያታት ምርምር መፅናዕቲን ተሳቲፎም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መፅናዕቲ፥ ኣብ ዙሪያ ዳግም ምጥራር ዶብ ሞያዊ ዘተ ተገይሩ ኢዩ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ታሪኽን ካልኦት ኩለመዳይ ርክባትን ተጠናኺሮም ዝቕፅሉሉ ኩነታት ኣተኪሩ ልዝብ ምክያዱ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.