Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግራንድ ኣፍሪካን ራን ንዝሳተፉ ኣትሌታት ሽልማት መኪና ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንገተን ዲሲ ኣብ ዝካድ ’ግራንድ ኣፍሪካን ራን’ ንዝሳተፉ ኣትሌታት ሽልማት መኪና ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ፡፡

ግራንድ ኣፍሪካን ራን በቢዓመቱ ጥቅምቲ ምስ ኣተወ ኣብ ካልአይቲ ቀዳም ኣብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ ዝካየድ ዉድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ኢዩ።

ኣብዚ ውድድር ንዝሳተፉ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ መከፋፈሊ ቶዮታ መኪና ዝኾነ ኣሌክሳንደሪያ ቶዮታ ኣብቲ ውድድር ንዝሳተፉ ሰባት ሽልማት መኪና ከምዘሰናደአ ዕላዊ ገይሩ።

ተሳተፍቲ እቲ ውድድር ቀዳይ ይኹን መወዳእታ ይውፃእ እቲ ሽልማት መኪና ናይ ምውሳድ ማዕረ ዕድል ዘለዎም እንትኾኑ ኣብቲ ዉድድር ዕለት ብዝወፅእ ዕፃ ሎተሪ ተዓዋቲ እታ መኪና ክፍለ ኢዩ ተባሂሉ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ዝሳተፉሉ እቲ ዉድድር ካብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ምዝገባ ከምዝካየድ ኣሰናዳእቲ ዕላዊ ገይሮም።

ኣብቲ ውድድር ቅድም ክብል ደራርቱ ቱሉ፣ ቀነኒሳ በቀለ፣ ጥሩነሽ ዲባባ፣ ገንዘቤ ዲባባ፣ ስለሺ ስህን፣ ሚሊዮን ወልዴ፣ በላይነህ ዴንሳሞ፣ ፋጡማ ሮባ፣ ብርሃኔ ኣደሬ፣ ቁጥሬ ዱለቻን ካልኦት ውሩያት ኣትሌታትን ተሳቲፎምሉ፡፡

ብእዩኤል ዘሪሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.