Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ኣብ ካርቱም ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ውፅኢታዊ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ኣብ ካርቱም ክካየድ ዝቐነየ ሳልሳይ ዙር ዘተ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ውፅኢታዊ ኮይኑ ምዝዛሙ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ገሊፁ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ነቲ ዘተ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እተን ሃገራት ኣብ መብዛሕተኦም ዛዕባታት ከምዝተስማዕማዓ ገሊፆም።

ግብፂ ኣቕሪባቶ ዝነበረት “40 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ይሰደድ፤ ብራኸ ትሕዝቶ ግድብ ኣሰዋን ካብ 165 ሜትሮ ከይትቕንስ” ዝብል ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ብምሕዳግ ሓሳባ ቀይራ ኣላ ኢሎም።

ግብፂ ነቲ ሓሳብ ምግዳፋ ዓቢዪ ውፅኢት ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዝገለፁ።

ግብፂ፥ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዚ ሩባ ኣባይ ይተሓሎ ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ ከምዘቕረበት ዝገለፁ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ሓሳብ ከምዘይተቐበለቶን ተፈጥሮኣዊ ዋሕዙ እንተተሓልዩ መሰል ተረባሕነት ማይ ኣባይ ላዕለዎት ተፋሰስ ሃገራት ዝዓግት ኢዩ ዝብል መርትዖ ምቕራባን ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ግብፂ ክሓስበሉ ከምዝበለት ገሊፆም።

ትረጉም ድርቂ ብዝምልከት ኣብ ዝተገበረ ዘተ ድማ፥ ኢትዮጵያ ትረጉም ድርቂ ትሕቲ 35 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜተሮ ማይ እንትፈስስ ኢዩ እንትትብል ግብፂ ብግደኣ ትሕቲ 40 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ይኹን ምባላ ስዒቡ እንተይተስማዕማዓ ተሪፈን።

ኣብ እዋን ድርቂ ክንደይ ዝኣክል ማይ ይሰደድ፣ ካብ ብራኸ እቲ ግድብ ብኽንደይ ሜትሮ ዝኣክል ነክዩ ይሰደድ ኣብ ዝብሉ ዛዓባታት እውን ኣብ ስምምዕነት ኣይተበፅሐን።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 8ን 9ን ጥሪ 2020 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ኣኼባ ኣብ ስምምዕነት ክበፅሓ ኢየን ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ እንተዘይተስማዕሚዐን ግን ዓንቀፅ 10 ተግባራዊ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ፥ “ዓንቀፅ 10 ትግባራዊ ዝግበር እንተኾይኑ እንወስዶም ኣማራፂታት ምስ ምንግስቲ ተማኺርና ክንውስን ኢና” ኢሎም ።

ብባህሩ ይድነቃቸው

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.