Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክልተ ናይ መልሲ ፀወታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣርሰናል ምስ ባየርን ሙኒክ ከምኡ እውን ማንቸስተር ሲቲ ምስ ሪያል ማድሪድ ሎሚ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ዘካይደኦ ናይ መልሲ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም።

ጋንታ ባየርን ሙኒክ ምስ ኣርሰናል ኣብ ኣብ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና ዝገብረኦ ፀወታ÷ ብወገን ኣርሰናል ማርቲን ኦዲጋርድን ቡካዮ ሳካ ብጉድኣት ምስላፎም ኣጠራጣሪ እንትኸውን፤ ተፀዋታይ ክፍሊ ምክልኻል ጁሊያን ቲምበር ብምኽንያት ጉድኣት ብርኪ እግሪ ካብ ፀወታ ወፃእ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ፡፡

ብወገን ባየርን ሙኒክ ኣልፎንሶ ዴቪስ ብክልተ ብጫ ካብ ፀወታ ወፃእ ምዃኑ እንትረጋገፅ፤ ስርጂ ጊናብሪ፣ ሌሮይ ሳኔን ኬንግስሌይ ኮማንን ናይ ምስላፎም ጉዳይ ኣጠራጣሪ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ቅድም ክብል ኣብ ኣርሴናን ስታዲየም ብዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ክልተ ማዕረ ምፍልላየን ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ስታዲየም ሳንቲያጎ ቤርናባው ሰለስተ ማዕረ ዝተፈላለያ ጋንታታት ማንቸስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ሎሚ ምሸት ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ዝገብረኦ ናይ መልሲ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.