Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2014 ዓ.ም ካብ መሸጣ ሓይሊ 20 ነጥቢ 94 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 20 ነጥቢ 94 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ሽፈራው ተሊላ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ካብ መሸጣ ሓይሊ 20 ነጥቢ 94 ቢሊየን ብር ብምእካብ 88 ሚኢታዊት እቲ ትልሚ ከምዝተዓወተ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን 367 ሽሕን 466 ዓማዊል ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምሕባር፥ 204 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክኾና ከምዝተገበረ ኣልዒሎም።

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ድማ ካብ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካብ ካልኦት ኣታዊታትን ብሓፈሻ 43 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ንምእካብ ብትልሚ ከምዝተተሓዘ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ እውን 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሓደሽቲ ዓማዊል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተረባሕቲ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ ከምዝተብሃለ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.