Fana: At a Speed of Life!

ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች አይ ቪ መንፈሳዊን ሓላፍነተም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ከይዲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች አይ ቪ/ኤድስ መንፈሳዊን ሓላፍነተም ንኽዋፅኡ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እተን ሚኒስትር፥ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ኤች ኣይ ቢ ኤድስ ዝህልም ተሳትፎ ንመዕባይ ኣብ ዝተዳለወ መድረኸ ዘተ ተረኺበን መኽፈቲ  መደረ ገይረን።

ኣብ መደረአን ድማ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘለዎም ተቐባልነት ዝዓዘዘ ስለዝኾነ፥ ኣብ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ከምኡ እውን ኣብ ኣጠቓቕማ መድሓኒት ፀረ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ግንዛበ ንምዕባይ፤ ኣቦታት ሃይማኖት መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፀዊዐን።

እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓማውቲ ልዑል ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ብትካላት ሃይማኖት፣ ብማሕበራት፣ መዳርግቲ ትካላትን ሰብሞያታት ኪነጥበብን ብዝተሰርሐ ስራሕ ግን መጠን ሞት ብ90 ሚኢታዊ ከምኡ እውን መጠን በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብ70 ሚኢታዊ ክንኪ ክኢሉ ኢዩ ኢለን።

ከም ሃገር ዝተረኸበ ውፅኢት ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝሐሸ ይኹን እመበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ተሳትፎ ከምዝነከየ ገሊፀን።

ከም ሃገር ዘሎ ዝርገሐ ቫይረስ ኤቭ ኣይ ቪ ኤድስ ዋላ 0 ነጥቢ 8 እንተኾነ፤ ኣብ ክልል ጋምቤላ 4 ነጥቢ 3፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3 ነጥቢ 2፣ ኣብ ድሬዳዋ 2 ነጥቢ 9 ከምኡ እውን ኣብ ክልል ሃረሪ 2 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ምብፅሑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ከተማታት ዘሎ ዝርገሐ እውን ዝለዓለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ብግደኦም፥ ለበዳ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብዛ ሃገር ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣት ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ ኩሉ ሕብረተሰብ ንባዕሉ ክሕሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት ድማ ብኣግባቡ መድሓኒት ፀረ ኤች አይ ቪ/ኤድስ ክወስዱ ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ፌዴራልን ጉባኤ ሃይማኖት ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ሚኒስቴር ጥዕናን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖትን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ሰንድ ስምምዕነት፥ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበረ ፃዕሪ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.