Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ልደቱ ብዝቐረበሎም 2ይ ክሲ ተለዋጢ ቆፆሮ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ሕገ-መንግስቲ ንምፍራስ ብምሕሳብ ንሕገ-መንግስቲ ዝፃረሩ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ስግግር ኣዳሊዮም ብዝብል ዝቐረበሎም 2ይ ክሲ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምድብ ዞባ ምብራቕ ዝነበረ መጋባእያ፥ ጠበቓታት ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ተረኺቦም።

ናይ ሎሚ መዓልቲ መጋባእያ 2ይ ክሲ ብዝምልከት ኣብ መጋባእያ ብንባብ ንምስማዕ ብዝተውሃበ ቆፀሮ መሰረት ብምግባር ተሰይሙ ዝነበረ ይኹን እምበር፥ ዓቃቢ ሕጊ ንቤት ፍርዲ መረዳእታ ዝሓዞ ሲዲ ምስ ክሲ ኣተሓሒዙ ንተኸሳሲ ስለዘይሃበ ኢዪ ለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ዘሎ።

ስለዝኾነ ድማ ጠበቓታት ተኸሳሲ ሲዲ በፂሑና ተመልኪትናን ተዳሊናን ክንቀርብ ኢሎም ዘቕረቡዎ ሕቶ ዝተቐበለ እቲ ቤት ፍርዲ፥ ሲዲ በፂሑዎም ተዳሊዮም እቲ ክሲ ኣብ መጋባእያ ንምባብ ን13 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.