Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ምስ ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውሕመ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣብ ምትካል እግሪ ተመዛበልቲ ብምድሃብ ብኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውሕመ ዶክተር ካትሪን ሱዚ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ  ተዛቲዮም።

ዶክተር ካትሪን ሱዚንን ኣንባሳደራት ሃገራት ጣሊያን፣ ጃፓን ፣ ስዊዘርላንድ ፣ ቼክሪፐብሊክብ ፊንላንድን ከምኡውን ሓለፍቲ ትካላት ሓገዝ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ፣ ዩኒሴፍ ፣ ፋኦን ኣይ ኦ ኤምን ናብቲ ክልል ምእታዎም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ክልል ዘሎ ምውሳኽ ፍሪያት ሕርሻን  እግሪ ምትካል ተመዛበልቲን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ብዶክተር ካትሪን ሱዚ ዝምራሕ ጉጅለ ብግድኡ፥መንግስቲ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት እግሪ ንምትካል ይሰርሖ ንዘሎ ስራሕቲ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብሩ ምዝራቦም ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.