Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ብናልፍ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኤሚ ኢ. ፖፕ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ከይዲ ህንፀት ሰላም ብዛዕባ ዝድገፈሉ ኩነታ ኣልዒሎም፡፡

ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንምምላስን ንምፅዋርን ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሉ ኩነታት ከምዝተዛተዩ እውን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብታ ሃር ዝርከቡ ነበር ዕጡቓት ብሰላም ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ሕብረተሰብ ንኽፅምበሩ ዝግበር ከይዲ ብዛዕባ ዝድግፉሉ ኣግባብ ከምዝዘተዩ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብሓባር ንምስራሕ ሰነድ ስምምዕነት ብምፍርራም ሓገዝ ቴክኒክን ፋይናንስን ከምዝገብር ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.