Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ህንፀት ፖለቲካን ሰላምን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ህንፀት ፖለቲካን ሰላምን ሮዝመሪ ዲካርሎ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓረስቶት እዋን ዝናብ ንክጥቀሙ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ እንተተገበረ እውን ህወሓት ተግባራዊ ብዘይምግባሩ ከምዘይተዓወተ ገሊፆም።

ህወሓት ሕማቕ ተግባሩ እንተቐፀለን መንግስቲ ንዝገበሮ እወንታዊ ተግባር ኣኽብሮት ከምዘይብሉ እንተገለፀ እውን፥ ሐዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኹሲ ደው ንምባል ቁርፀኛ ኢዩ ኢሎም።

ህወሓት ኣብ መስመር ኣዲስ ኣበባን-ጅቡቲን ዘለዉ ሰብኣዊ መተሓላለፊታት ንምትዕንቓፍ ምፍታኑ ብምሕባር፥ ማሕበረሰብ ዓለም ተስፋ ንምቑራፅ ናይ ሰሜን ምብራቕ ክፍሊ እዛ ሃገር ሓዱሽ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ኢሎም።

ምስ ግድብ ህዳሰ ብዝተተሓሓዘ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝመርሖ ከይዲ ድርድር ኩሎም ተደራደርቲ ወገናት ኣብ ሰለማዊ መፍትሒታት ንክበፅሑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝድግፍ ኣረጋጊፆም።

ሻድሻይ ሃገራዊ መርጫ ሰለማዊን ግልፅን ብዝኾነ መገዲ ምፍፃሙ ብምሕባር፥ እቲ ከይዲ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓር ዴሞክራሲ ንምህናፅ መገዲ ዝኸፈተ ኢዩ ኢሎም።

ምክትል ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ህንፀት ፖለቲካን ሰላምን ሮዝመሪ ዲካርሎ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህሊ ሰላምን ምርግጋዕን ንምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኩለ መዳያዊ ውሳነ ደው ምባል ተኹሲ ሰብኣዊነት ብምፅዳቕን ብምድጋፍን ካሊእ ወገን ምስዓብ ከምዘለዎ ገሊፀን።

ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን እውን ብሰለማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ምባለን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.