Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ጣሊያን ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዲሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ምሸት ናብ ጣሊያን ኣምሪሖም።

ኣይተ ገዱ ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ተራኺበም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ዝመፅአ ክልተኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ክዛተዩ ኢዮም።

ብተወሳኺ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ትካል ሕርሻን ምግቢ ዓለም፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ ከምኡ እውን ምስ ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ከምዘዛተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምስ ሓለፍቲ እተን ትካላት ኣብ ዝገብሩዎ ዘተ፥ እተን ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ እናሰርሐኦ ዝርከባ ፕጀክታት ልምዓት ኣብታ ሃገር ምስ ዝተጀመረ ናይ ሪፎረም ፕሮግራም ዝተጠዓዓመ ንኽኸውን ሓሳብ ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.